መስርሕ ዑቕባ

Remote video URL
ምጅማር ምሕታት ዑቕባ
Remote video URL
ዑቕባ ትሓተሉ ኣገባባት

ኣብ በልጁም ዑቕባ ንምሕታት ትምዝገበሎም ሰለስተ ኣማራጺ ቤት ጽሕፈታት፥

- ኣብ በልጅዩም ምስ በጻሕካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዚርከብ ማእከል ምዝገባ (IO) (Boulevard Pachecho 44, 100 Brussels) ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 8.30 .

- ኣብ ዶብ ንሰበ-ስልጣን ዶብ ንኣብነት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ።

- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ዕጹው መጽንሒ ቦታ እንተኣሊኻ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ክትምዝገብ ትኽእል።

ኣብ ካልእ ሃገር ኮንካ ዑቕባ ክትሓትት ኣይፍቀድን እዩ።

ዑቕባ ክትሓትት ዝፍቀድ ብኣካል ምስ ትቐርብ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ዑቕባ ምሕታት ኣይፍቀድን። ኣብ በልጁም ምሳኻ ዝኣተዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተዳኣ ኣለውኻ ግን ኣብ ናትካ ፋይል ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ።

 

IO (DVZ/OE) ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ  ሕቶ ኣብ ማእከል ምዝገባ ክምዝግቦ ኢዩ እዚ ዝስዕብ ድማ ክፍጸም ኢዩ

 

- እንታይነትካ የጻርዩ፡

- መንነትካ ይሓቱኻ፡ ዘለካ ኩሉ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ከተረክቦም ድማ ግዴታ ኣለካ፡

- ተርጓማይ ብምንታይ ቋንቋ ከምዘድልየካ ድማ ይሓቱኻ፡ ብድሕሪ' ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ናይ ዑቕባ መስርሕ ብቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ድማ ብቋንቋ ፈረንሳ ምዃኑ ይውስን።

 ዑቕባ ክትሓትት ዝፍቀድ ብኣካል ምስ ትቐርብ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ዑቕባ ምሕታት ኣይፍቀድን። ኣብ በልጁም ምሳኻ ዝኣተዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተዳኣ ኣለውኻ ግን ኣብ ናትካ ፋይል ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ።

 

IO (DVZ/OE) ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ  ሕቶ ኣብ ማእከል ምዝገባ ክምዝግቦ ኢዩ እዚ ዝስዕብ ድማ ክፍጸም ኢዩ

 

- እንታይነትካ የጻርዩ፡

- መንነትካ ይሓቱኻ፡ ዘለካ ኩሉ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ከተረክቦም ድማ ግዴታ ኣለካ፡

- ተርጓማይ ብምንታይ ቋንቋ ከምዘድልየካ ድማ ይሓቱኻ፡ ብድሕሪ' ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ናይ ዑቕባ መስርሕ ብቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ድማ ብቋንቋ ፈረንሳ ምዃኑ ይውስን።

- ዓሸራ ትገብር፡ ስእሊ ትሳእል፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኔርካ ድማ ይጻረይ (ዱብሊን ኣለካ ወይ የብልካን)  

ድሕሪኡ ፈዳዚል ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኽትጸንሕን ሕክምናዊ መርመራ ኽትገብርን መሰል እንተልዩካ ከረጋግጽ እዩ ኣብ ዌብ ሳይት ፈዳሲል ዝያዳ ኣንብብ

ድሕሪኡ ፈዳዚል ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኽትጸንሕን ሕክምናዊ መርመራ ኽትገብርን መሰል እንተልዩካ ከረጋግጽ እዩ ኣብ ዌብ ሳይት ፈዳሲል ዝያዳ ኣንብብ

 

መስርሕ ዑቕባ ምስ ጀመርካ ጠበቓ ወይ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ክትገብር መሰል ኣለካ። ናይ ምኽፋል ዓቅሚ ምስ ዘይህልወካ ድማ ብዘይክፍሊት ጠበቓ ክቑጸረልካ ይከኣልዩ። (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዛ ኣብ ጎኒ ዘላ

ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፋ ዘላ ትብል ዘላ ጠውቕ።

ምጽራይ ዱብሊን

ኢንተርቪው ብምግባር፡ ዓሸራ ኣጻብዕትኻ ብምውሳድ ወይ ዝኾነ መንበሪ ወረቐት ኣብ ካልእ ናይ ኣውሮጳ ሃገር ከምዘለካን ከምዘይብልካን ምስ ኣረጋገጸ፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (DVZ/OE) ጉዳይካ ኣብ በልጁም ይተሓዝ ወይ ኣይተሓዝን ይውስን። (ዱብሊን ምጽራይ ማለትዩ። 

  • ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ንካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ዝምልከት ምስ ዝኸውን፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት (DVZ/OE) ነታ ዝምልከታ ሃገር ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ከተሳልጠልካ ይሓታ። እታ ሃገር ፍቓደኛ ምስ እትኸውን ድማ ናብታ ሃገር ኬድካ ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ክትከታተል ከም ዘለካ ይውሰን። ንስኻ ነዚ ውሳነ ምስ ዘይትቕበሎ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ስደተኛታት (RvV/CCE) ብሓገዝ ጠበቓ ኣብ ውሽጢ'ቲ ተወሲንልካ ዘሎ መዓልታት ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል። 
  • ጉዳይካ ንመንግስቲ ቤልጁም ዝምልከት ምስ ዝኸውን ድማ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት(DVZ/OE) ናይ 
    ዱብሊን ወይ ዓሸራ ጉዳይካ ብምስባር ቀዳማይ ኢንተርቪው ክትገብር ቆጸራ ይወሃበካ፡ ናይ ቤልጁም ናይ ዑቕባ መስርሕካ ትጅምር ማለት'ዩ። 

ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኔርካ፡ መንግስቲ ቤልጁም ነታ ዑቕባ ዝሓተትካላ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ገዲፍካ ዝመጻኻሉ ምኽንያት ብምትሕሓዝ ናብታ ሃገር ዘይትምለሰሉ ምኽንያት ይምርምር። 

ቀዳማይ ኢንተርቪው

ሓበሬታ ኣድራሻ 

ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን (DVZ/OE) ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ መጺኻ ኢንተርቪው ንክትገብር ዕድመ ይገብረልካ፡ : Boulevard Pacheco 44, 1000 Brussels.

ትሕዝቶን ኣድላይነትን ቀዳማይ ኢንተርቪው 

ኣብዚ ቀዳማይ ኢንተርቪው ብቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (DVZ/OE) ዝሓቱኻ ሕቶታት ብዛዕባ፡ መበቆል መንነትካ፡ ኩነታት ስድራቤትካ፡ ትነብረሉ ዝነበርካ ቦታታት ወይ ሃገራት፡ ቤልጁም ክሳብ ትበጽሕ ዝነበረ ጉዕዞኻ፡ ከምኡ'ውን ዑቕባ ትሓተሉ ዘለኻ ምኽንያትን እዩ። 
ንመንነትካ ዝገልጽ ዝኾነ ወረቐት መንነት ወይ ሰነድ እንተለካ ድማ ከተቕርብ ይግባእ'ዩ። ዑቕባ ትሓተሉ ዘለኻ ምኽንያት ኩሉ ድማ የሕጽር ኣቢልካ ክትገልጽ ኣለካ። እዚ ኣብ ቀዳማይ ኢንተርቪው የሕጺርካ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ድማ ኣብቲ ኣብ ኮሚሳርያት (CGRS) ዝህልወካ ካልኣይ ኢንተርቪው ኣስፊሕካ ብዝርዝር ይግለጽ። 

ኣገዳሲ ሓበሬታ 

ዝኾነ ናይ ጥዕና ወይ ካልእ ጸገማት እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን DVZ/OE ዝምላእ ቅጥዒ ክትመልእ ትሕተት፡ ጸገምካ ኣብ ግምት የእትዩ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኮሚሳርያት CGRS ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ብዝጥዕም መገዲ ንምክያድ ይጽዕር። 

ንኣብነት ብሰንኪ ስንክልና ኣስካላ ክትድይብ ትጽገም እንተኾንካ፡ ብፉልይ ኢንተርቪው ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ይዳለወልካ። 
ናይ ርእሲ ሕማም እንተለካ ድማ ንዓኻ ብዝጥዕም መገዲ ዕረፍቲ እንዳወሰድካ ኢንተርቪው ትገብረሉ ኩነታት ንምፍጣር ይጽዕር። 
ኣብ ሃገርካ ከለኻ ብዝወረደካ ጸገማት ምኽንያት እንተድኣ ብፍሉይ ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ 
ተርጓማይ ከምኡውን ሓታቲ ደሊኻ፡ CGRS ኮሚሳርያት ጠለብካ ንኸማልእ ይጽዕር። 

ምድላው ንኻልኣይ ኢንተርቪው
Remote video URL
ኮሚሳርያት CGRS እንታይ እዩ ስርሑ?

ኣብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት DVZ/OE ቀዳማይ ኢንተርቪው ምስ ገበርካ፡ ፋይልካ ወይ ጉዳይካ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ወይ ኮሚሳርያት ማለት CGRS ይሓልፍ። ኮሚሳርያት ድማ ናይ ዑቕባ ጉዳይካ መርሚሩን ኣጻርዩን ዑቕባ ይግባኣካን ኣይግባኣካን ውሳነ ይህብ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርካ ዘጋጠመካ ጸገማት ከም፡ 

  • ብሰንኪ ዜግነትካ፡ ሃይማኖትካ፡ ዓሌትካ ወይ ናይ ፖለቲካ ኣርኣእያኻ ግፍዒ እንተወሪድካ፡ 
  • ኣብ ሃገርካ ኲናት ወይ ዕግርግር እንተሎ፡ 
  • ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ወይ ጭቆና ኣብ ልዕሌኻ ዝፍጸም ምስ ዝኸውን። 

ኮሚሳርያት ወይ CGRS ርእሱ ዝኻኣለ ነጻ ቤት ጽሕፈት'ዩ ፡ እዚ ማለት ድማ ንዕኡ ዝእዝዞ ካልእ ኣካል የለን። 

ንካልኣይ ኢንተርቪው ትጽበየሉ ግዜ

ኮሚሳርያት ወይ CGRS ኢንተርቪው ንክትገብር ዕድመ ይገብረልካ፡ ቅድሚ ናይ ኢንተርቪው ዕድመ ምውሳድካ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ክትግንዘቦ ዝግባእ ድሕሬኻ ዑቕባ ዝሓተቱ ቅድሜኻ ኢንተርቪው ክጽውዑ ይኽእሉ እዮም፡ ኮሚሳርያ ናቱ ኣሰራርሓ ኣለዎ። 

ኮሚሳርያት CGRS ፋይልካ ካብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ምስ ተቐበለ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኢንተርቪው ንክትገብር ክዕድመካ ይጽዕር'ዩ። ኣብ ዕጹው መጽንሒ ቦታ እንተዳኣ ኣለኻ ወይ መበቆል ሃገርካ ንድሕነትካ ዘየስግእ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጉዳይካ ክረአ ይኽእል እዩ። እብዚ ክንፈልጦ ዝግባእ ድማ ብሰንኪ ብዝሒ ስደተኛታት, ኢንተርቪው ከይተጸዋዕካ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን ቤት ጽሕፈት ኮሚሳርያት CGRS ኣብ ሓጺር ግዜ ኢንተርቪው ክጽውዓካ ጻዕርታት ይገብር'ዩ። 

ኢንተርቪው ክሳብ ትጽዋዕ ትጽበዮ ግዜ ኣብ ጥቕምኻ ከተውዕሎ ዝሓሸ እዩ። 

  • ፍሉይ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ ንCGRS ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀዳማይ ኢንተርቪው ኣብ DVZ/ OE ዘይጠቐስካዮ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ፡ ን ኮሚሳርያት CGRS ኣቐዲምካ እንተሓቢርካ ኮሚሳርያት ንዓኻ ብዝጥዕም መገዲ ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ንኽካየድ ይጽዕር። ብዛዕባዚ ምስ ጠበቓኻ ወይ ተሓጋጋዚኻ ክትዘራረብ ዝሓሸ እዩ። 
  • ንጠበቓኻ ተወከስ
    ምስ ጠበቓኻ ብምርኻብ ነቲ ዝህልወካ ኢንተርቪው ምድላዋት ክትገብር ትኻል ኢኻ። ኣታዊ እንተዘይብልካ ኮይኑ ብዘይ ክፍሊት ጠበቓ ክቑጸረልካ መሰል ኣለካ። 
  • ንመንነትካ ዝገልጽ ዝኾነ ዓይነት ሰነድ ወይ ወረቐት እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ ከተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ንኣብነት ፓስፖርት ወይ ታሴራ፡ ናይ ጥምቀት፡ ናይ መርዓ፡ ናይ ሰራዊት ወረቐት ናይ ቤት ፍርዲ ወይ ዝኾነ ካልእ መን ምኳንካ ዝነግር መረጋገጺ ወረቐት ከተቕርብ ሓጋዚ እዩ። ናትካ እንተዘይብልካ ድማ ናይ ወለድኻ ወይ ስድራ ቤትካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡው'ን ንጸገማትካ ዝገልጽ ወረቐት እንተኣቕሪብካ ዝበለጸ እዩ። ኩሉ ሰነዳትካ ኦሪጂናል እንተኾይኑ ዝበለጸ እዩ፡ እንተዘይተኻእለ ግን ኮፒ ወይ ቅዳሕ ከተቕርብ ትኽእል። ፎርጅድ ወይ ናይ ሓሶት ወረቐት ምቕራብ ግን ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል እዩ። 
    ዝኾነ ሰነድ ከተቕርብ እንተዘይክኢልካ ድማ ኣብ CGRS ኣብ ግዜ ኢንተርቪው መብርሂ ምኽንያት ክተብርህ ትኽእል ኢኻ። 
  • ስነ- ኣእምራዊ ተዳሎ
    ካልኣይ ኢንተርቪው ንምግባር ስነ - ኣእምራዊ ምድላው ክትገብር ኣገዳሲ እዩ፡ ዝሓለፍካዮ ጸገማት ወይ ግፍዒ ዘዘኻኽሩ ሕቶታት ክትሕተት ስለትኽእል ኣብ ስምዒት ክትኣትው ከምትኽእል ኣብ ግምት ኣእትዎ። 
  • ታሪኽካ ተዛረብ
    ሓቀኛ ታሪኽ ሂወትካ ብዝርዝር ምግላጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ዘይናትካ ታሪኽ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ዛንታ እንተነጊርካ ጉዳይካ ክንጸግ ይኽእልዩ፡ ስለ'ዚ ሓቀኛ ዝኾነ ሓበሬታ ክትህብ ኣለካ።
ካልኣይ ኢንተርቪው
Remote video URL
ቀንዲ ነጥብታት

ካልኣይ ኢንተርቪው ዝካየደሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሳርያት CGRS እዩ፡ ኣድራሻ ድማ፡  Rue Ernest Blerot 39, 1070 Brussels

ቆጸራ ካልኣይ ኢንተርቪው

CGRS ወይ ኮሚሳርያት ቆጸራ ናይ ካልኣይ ኢንተርቪው ብጶስታ ናብቲ ዘለኻዮ ኣድራሻ ይሰደልካ፡ ንጠበቓኻ'ውን ይስደደሉ። 

ንጹር ኣድራሻ ዘለኻዮ ቦታ ንኮሚሳርያት CGRS ክትህብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ መጸዋዕታ ናይ ካልኣይ ኢንተርቪው ኣብቲ ዘለኻዮ ክበጽሓካ ማለት'ዩ፡ ኣድራሻ ምስ እትቕይር ድማ ኣብዛ ኣብ ጎኒ ዘላ ኣቲኻ ፎርም መሊእካ ናብ ኮሚሳርያት ክትሰዶ ኣለካ። 

ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ወይ ካልእ ናብ ናይ ካልኣይ ኢንተርቪው ክትመጽእ ዘይትኽእል እንተኾንካ ኣቐዲምካ ንኮሚሳርያት CGRS ክትሕብር ይግባእ፡ ንጠበቓኻ ወይ ተሓጋዚኻ ተወከስ።ወረቐት ናይ ሓኪም ድማ ከተቕርብ ኣለካ። 

ኣድላይነት ካልኣይ ኢንተርቪው

ኣብ መስርሕ ናይ ዑቕባ፡ ካልኣይ ኢንተርቪው ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ኣብዚ ካልኣይ ኢንተርቪው ብኮሚሳርያት CGRS ዝቐርቡልካ ሕቶታት ድማ ብዛዕባ፡ 

  • ብዛዕባ መንነትካ፡ መበቆልካ፡ 
  • ካበይ ከምዝመጻኻ፡ 
  • ኣብ ሃገርካ ከለኻ ዝነበረ ሂወትካ እንታይ ይመስል ኔሩ፡ 
  • ጉዕዞኻ ክሳብ ቤልጁም ትበጽሕ ከመይ ከምዝነበረ፡ 
  • ደኩመንት፡ ታሴራ፡ ወይ ካልእ ወረቓቕቲ ተቕርቦ እንተሎ
  • ካብ ሃገርካ ዝወጻኻሉ ምኽንያት፡ 
  • ናብ ሃገርካ ንኸይትምለስ ዘፍርሓካ ምኽንያትን፡ እዮም። 

ካብ ሃገርካ ዝወጻኻሉ ምኽንያት ዘጋጠመካ ጸገማትን ዘርዚርካ ግለጽ። ናትካ ውልቃዊ ተመኩሮን ሓቀኛ ዛንታኻን ክኸውን ኣለዎ፡ ተቕርቦ ሓሳብ ይኹን ዛንታ ሓቅነቱ ብግቡእ ስለዝፍተሽ ዘይናትካ ወይ ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ምስ እትህብ ንጉዳይካ ንጹግ ክገብሮ ይኽእል እዩ። 

እቲ ኢንተርቪው ዘግብረካ ሰብ ብዙሕ ሕቶታት እዩ ዝሓተካ። ዘይትፈልጦ ሕቶ እንተሎ ኣይፈልጦን'የ ክትብል ዝሓሸ እዩ፡ ካልእ መልሲ ምምሃዝ ኣይፍቀድን። 

ኣብ CGRS እትህቦ ቃል ምስጢራውነቱ ዝተዓቀበ እዩ። ናብ ሳልሳይ ኣካል ወይ ናብ መንግስቲ ናይ ሃገርካ ዝኸይድ ሓበሬታ የለን፡ ብዘይ ናትካ ፍቓድ 
ናብ ስድራ ቤትካ እውን ዝወሃብ ሓበሬታ የለን፡ ስለዚ ከይተሰከፍካ ክትዛረብ ኢኻ። 

ተቕርቦም ሰነዳትን ወረቓቕትን

ንመንነትካ ዝገልጽ ወይ ኣብ ሃገርካ ዘጋጠመካ ሽግር ዝሕብር ወረቐት ወይ ታሴራ ከተቕርብ ኣገዳሲ እዩ፡ ኦርጂናል እንተኾነ ድማ ዝበለጸ እዩ። ንኣብነት ፓስፖርት ወይ ታሴራ ( ወረቐት መንነት ) ናትካ ወይ ናይ ስድራ ቤትካ፡ ናይ ልደት፡ ናይ ጥምቀት፡ ናይ መርዓ፡ ናይ ሰራዊት፡ ናይ ቤት ትምህርቲ፡ ነባርነት ካርድ፡ ወይ ካልእ ንመንነትካ ዝገልጽ ዝኾነ ዓይነት ሰነድ ማለት እዩ። 
ዘጋጠመካ ግፍዒ ዝገልጽ ሕጋዊ ደኩመንት እንተኣቕሪብካ ድማ ዝበለጸ እዩ። 
ብዝተኻእለካ መጠን ኦርጂናል ወረቓቕቲ ከተቕርብ ፈትን፡ ሰነድ ምቕራብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። 

ተቕርቦ ሰነዳት ወይ ወረቓቕቲ ንዓኻ ወይ ስድራቤትካ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። CGRS ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርካ እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ኣለዎ። 

ተቕርቦ ወረቐት መንነት ወይ ሰነድ እንተዘይብልካ ድማ ብቓላትካ መብርሂ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓሶት ወረቐት ወይ ዝተሰንዐ ሰነድ ምቕራብ ኣይፍቀድን። 

ተቕርቦም ሰነዳት ኩሎም ብግቡእ ኣብ CGRS ኮሚሳርያት ይዕቀቡ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ድማ ሓቲትካ ክወሃበካ ይፍቀድ እዩ። 

ኣብ ናይ ኢንተርቪው ክፍሊ ዝፍቀደሎም ሰባት

ንስኻ ( ሓታቲ ዑቕባ ) 
ኢንተርቪው ንዓኻ ብውልቂ ይግበረልካ። ናብ ቤልጁም ምስ ስድራኻ ወይ መጻምድትኻ መጺኻ እንተኾንካ ድማ ኣብ ሓደ ማዓልቲ ብሓንሳብ ቆጸራ ክወሃበኩም ይኽእል'ዩ፡ ኢንተርቪው ግን ነንበይንኹም እዩ ዝግበር። ትህቦ ሓበሬታ ናብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ኣይወሃብን እዩ፡ ከይተሰከፍካ ዝደለኻዮ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። 

ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ( ፕሮቴክሽን ኦፊሰር ) 
እዚ ሰብ ድማ እቲ ንጉዳይካ ሒዙ ኢንተርቪው ዝሓተካ ማለት እዩ፡ ናይቲ ንስኻ ዝመጻኻሉ ወይ መበቆል ሃገርካ ድማ እኹል ኣፍልጦ ኣለዎ። ብመልክዕ ሕቶን መልስን ድማ ጉዳይካ ሰሚዑ ይምርመሮ ማለት'ዩ። ንስኻ ትህቦ ሓበሬታ ድማ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ኣለዎ። 

ተርጓማይ 
ኣብ ግዜ ቀዳማይ ኢንተርቪው ተርጓማይ ክግበረልካ ሓቲትካ 
እንተኔርካ፡ ተርጓማይ ይዳለወልካ እዩ። ተርጓማይ ድማ ኩሉ ሕቶን መልስን ከምዘለዎ ከይቀየረ ክትርጉም ሓላፍነት ኣለዎ፡ ተርጓማይ ኣብ ውሳነ ናይቲ ጉዳይ ዝኾነ ዘእትዎ ነገር የለን፡ ነጻን ዘይሻራውን እዩ፡ ስርሑ ድማ ምትርጓም ጥራይ እዩ፡ ምስጢር ናይቲ ኣብ ኢንተርቪው ዝዝረብ ድማ ክዕቅቦ ብሕጊ ይሕተት'ዩ ኣብ ግዜ ኢንተርቪው ንተርጓማይ እንተዘይተረዲእካዮ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። 

ጠበቓኻ 
ጠበቓ ክግበረልካ ክትሓትት ሙሉእ መሰል ኣለካ፡ ክትከፍ ምስ ዘይትኽእል ድማ ብነጻ ይቑጸረልካ። ጠበቓኻ ብዛዕባ መሰልካን ግቡእካን መብርሂ ይህበካ፡ ጉዳይካ ድማ ይከታተል። ጠበቓኻ ኣብ ግዜ ኢንተርቪው ምሳኻ ክርከብ ይኽእል'ዩ፡ ግድን ግን ኣይኮነን፡ ብዘይ ጠበቓኻ ኢንተርቪው ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ቅዳሕ ወይ ኮፒ ናይቲ ኢንተርቪው ክወሃቦ ድማ ጠበቓኻ ክሕትት ይኽእል'ዩ፡ ጉዳይካ ከመይ ከምዝኸይድ ድማ ይከታተል። 

ኣላዪ ወይ ተሓጋጋዚ 
ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ዝሕግዘካ ኣላዪ ወይ ኣማኻሪ ክግበረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡ 
CGRS ወይ ኮሚሳርያት ምስ ዝፈቕደሎም ድማ ኣብ ኢንተርቪው ምሳኻ ክርከቡ ይኽእሉ'ዮም። 

ንውሓት ግዜ ናይ ኢንተርቪው

ኢንተርቪው ብገምጋም ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል፡ ክነውሕ ወይ ክሓጽር ድማ ይኽእል'ዩ። ኣብ ፍርቂ ድማ ዕረፍቲ ኣሎ ፡ ተወሳኺ ዕረፍቲ እንተደሊኻ ድማ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 

ቅዳሕ ወይ ኮፒ ናይ ኢንተርቪው

እቲ ኢንተርቪው ዝገብረልካ ሰራሕተኛ ነቲ ኩሉ ሕቶን ናትካ መልስን ብግቡእ ይጽሕፎ እዩ፡ ፋይልካ ድማ ሙሉእ ይኸውን፡ እንተድኣ ደሊኻ ድማ ቅዳሕ ወይ ኮፒ ናትካ ኢንተርቪው ብጽሑፍ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡ ቅዳሕ ድማ ብኔዘርላንድ ወይ ብቋንቋ ፈረንሳ ማለት በቲ ኢንተርቪው ዝገበርካዮ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ናባኻ ይስደደልካ፡ ብድሕሪኡ ብሓገዝ ጠበቓኻ ወይ ተርጓማይ ዘለካ ሓሳብ ወይ መመላእታ ክትሰድድ ትኽእል፡ ብዝያዳ ድማ ምስ ጠበቓኻ ተላዘብ። 

ውሳነ
Remote video URL
ንውሳነ ትጽበየሉ ግዜ

ኢንተርቪው ምስ ወዳእካ ናብቲ መጽንሒ ቦታኻ ትምለስ። ብድሕሪ'ዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳይካ ብግቡእ ይምርምሮ ከምኡው'ን ውሳነ ይህበሉ፡ ውሳነ ክሳብ ዝወሃበካ እትጽበየሉ ግዜ ይፈላለ እዩ። ኮሚሳርያት CGRS ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ውሳነ ክህብ እዩ መደቡ፡ ተወሳኺ መርመራ እንተኣድልዩ ግን ክነውሕ ይኽእል'ዩ። ድሕሬኻ ኢንተርቪው ዝገበረ ቅድሜኻ ውሳነ ክመጾ ይኽእል'ዩ,፡ እዚ ግን ዘሻቕል ኣይኮነን፡ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ነናቱ መስርሕ ስለዘለዎ። ምንዋሕ ግዜ ሻቕሎትን ምጥርጣራትን ከስዕብ ከምዝኽእል CGRS ኮሚሳርያት ስለዝርዳእ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ውሳነ ንምሃብ ዝከኣሎ ጻዕርታት ይገብር'ዩ። 

CGRS ንጉዳይካ ብኸመይ ይውስን

ካልኣይ ኢንተርቪው ምስ ገበርካ CGRS ኮሚሳርያት ሓቅነትን ሚዛንን ናይቲ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ጉዳይን ወረቓቕትን ይምርምር። 

  • ኣብ ግዜ ኢንተርቪው ዝሃብካዮ ሓበሬታ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን፡
  • ዘቕረብካዮም ደኩመንት ወይ ወረቓቕቲ ሕጋዊ ድዩ፡ 
  • ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከምኡ'ውን መበቆልካን ዘቕረብካዮ ጸገማትን ሓቅነቱን ተኣማንነቱን፡ ይምርምር። 

ዘቕረብካዮ ጉዳይን ወረቓቕትን ሓቅነቱ ምስ ተረጋገጸ፡ CGRS ጉዳይካ ኣብ ትሕቲ ናይ ጀነቫ ናይ ዑቕባ ውዕል ሕጊ ብኸመይ ከምዝተሓዝ የረጋግጽ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርካ ብሰንኪ ኲናት፡ ዜግነትካ፡ ዓሌትካ፡ ሃይማኖትካ፡ መበቆልካ ወይ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያኻ ናይ ሰብኣዊ ምግሃስ መሰል ወይ ግፍዒ ምስ ዘጋጥመካ ናይ ዑቕባ መሰል ይህልወካ ዝብል ሕጊ እዩ። ጉዳይካ ተመርሚሩ ናብ ሃገርካ ምምላስ ናይ ሂወት ሓደጋ ምስ ዝህልወካ ድማ ቀዋሚ ወይ ግዚያዊ ዑቕባ ይወሃበካ ማለት'ዩ። 

CGRS ኮሚሳርያት ንነፍሲ ወከፍ ናይ ዑቕባ ሕቶ ጉዳይ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ፡ ኤውሮጳዊ ፡ ከምኡውን ሕጊ ናይ ቤልጁም መርሚሩ የጻርይ። ኣብዚ መስርሕ ምጽራይ ድማ ናትካ ዕድመ፡ ጾታ፡ ድሕረባይታ፡ መበቆል፡ ደረጃ ትምህርቲ ኩሉ ኣብ ግምት ኣትዩ ውሳነ ይወሃብ። ዑቕባ ይግባኣካ እዩ ኢሉ CGRS ምስ ዝኣምን ድማ ናይ ስደተኛ ዑቕባ ወረቐት ይወሃበካ። 

ውሳነ

ኣብ ቤልጁም ክልተ ዓይነት ናይ ዑቕባ ተቓባልነት ውሳነ ኣለዉ፡ 

  • ቀዋሚ ናይ ስደተኛ መሰል ወረቐት 
  • ግዜያዊ ናይ ዑቕባ መሰል ወረቐት 

ኮሚሳርያት CGRS ቀዋሚ ወይ ግዜያዊ ናይ ዑቕባ መሰል ዘይግባኣካ እንተኾይኑ ነጌቲቭ ማለት ጉዳይካ ይንጸግ ማለትዩ። 
 

ጥርዓን ወይ ይግባኝ

ብዝተዋህበካ ውሳነ እንተዘይዓጊብካ ወይ እንተዘይተሰማማዕካ ብሓገዝ ጠበቓ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ግዜ ኣንጻር ናይቲ ውሳነ ጥርዓን ከተቕርብ መሰል ኣለካ። ጥርዓን ተቕርበሉ ቤት ጽሕፈት ድማ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ዑቕባ ስደተኛኛታት ወይ RVV / CCE 
እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ንጠበቓኻ ተወከስ። 
እንድሕር ተወሳኺ ሓድሽ መረጋገጺ ወረቐት ወይ ጭብጢ እንተለካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ጉዳይካ ድማ ከም ብሓድሽ ክረኣየልካ ይኽእል እዩ።