ኣብ በልጁም ዑቕባ ንምሕታት ትምዝገበሎም ሰለስተ ኣማራጺ ቤት ጽሕፈታት፥
- ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን በልጁም ኣብ ‘Klein Kasteeltje / Petit Château’ ክትምዝገብ ትኽእል። ኣብዚ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ንበልጁም ብነፋሪት እንተኣቲኻ ድማ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ክትምዝገብ ትኽእል።
- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ዕጹው መጽንሒ ቦታ እንተኣሊኻ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ክትምዝገብ ትኽእል።
ኣብ ካልእ ሃገር ኮንካ ዑቕባ ክትሓትት ኣይፍቀድን እዩ።
ዑቕባ ክትሓትት ዝፍቀድ ብኣካል ምስ ትቐርብ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ዑቕባ ምሕታት ኣይፍቀድን። ኣብ በልጁም ምሳኻ ዝኣተዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተዳኣ ኣለውኻ ግን ኣብ ናትካ ፋይል ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ።
ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (DVZ/OE) ምስ ተመዝገብካ፡
- እንታይነትካ የጻርዩ፡
- መንነትካ ይሓቱኻ፡ ዘለካ ኩሉ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ከተረክቦም ድማ ግዴታ ኣለካ፡
- ተርጓማይ ብምንታይ ቋንቋ ከምዘድልየካ ድማ ይሓቱኻ፡ ብድሕሪ'ዚ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ናይ ዑቕባ መስርሕ ብቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ድማ ብቋንቋ ፈረንሳ ምዃኑ ይውስን።
- ዓሸራ ትገብር፡ ስእሊ ትሳእል፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኔርካ ድማ ይጻረይ (ዱብሊን ኣለካ ወይ የብልካን)
- ናይ ጥዕና መርመራ ይግበረልካ፡
- ፌዳዚል (Fedasil) ድማ ኣብ መዕቆቢ ስደታኛታት (ካምፕ) ክትጸንሕ ከምዘለካን ከምዘይብልካን ይውስን። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ናይ ኢንተርነት ዌብ ሳይት ክትውከስ ይከኣል።