እንደገና ዑቕባ ምሕታት

ቤት ጽሕፈት DVZ/OE ከ ብሓድሽ ዑቕባ ክትሓትት ክምዝግበካ እንተድኣኮይኑ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጉዳይካ ምስ ዝዕጾ ጥራይ እዩ። ሓድሽ ተወሳኺ ጭብጢ ወይ መረዳእታ ወረቓቕቲ ምስ ዝህልወካ ድማ CGRS ኮሚሳርያት ጉዳይካ ከም ብሓድሽ ክርእዮ ይኽእል.፡ ሓድሽ ፋይል ይኽፈተልካ ማለት'ዩ፡ እንተዘይኮነ ግን በቲ ቅድሚ ሕጂ ኣቅሪብካዮ ዝነበርካ ጥራይ ከም ብሓድሽ እንተኣመልኪትካ ትርጉም የብሉን፡ ድኻም ጥራይ እዩ ዝኸውን። 

ሓድሽ ናይ ዑቕባ ፋይል ምኽፋት

ሓድሽ ፋይል ከምብሓድሽ ክትከፍት ምስ እትደሊ, ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመዝገብካዮ ኣብ Klein Kasteeltje / Petit Chateau ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ትምዝገብ፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት IO ማለት DVZ / OE እትገብሮ ቀዳማይ ኢንተርቪው ድማ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ተቕርቦ ጭብጥታት ጥራይ እዩ ዝኸውን። 

ምጽራይን ምምርማርን ሓድሽ ጉዳይካ፡

ኮሚሳርያት CGRS ሓድሽ ተቕርቦ ጭብጢ ወይ መረጋገጺ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ ጉዳይካ ዝምርምርን ውሳነ ዝህብን፡ እምበር በቲ ቅድሚ ሕጂ ኣቕሪብካዮ ዝነበርካ ጉዳይ ተመሊሱ ኣይርእዮን እዩ። እቲ ሓድሽ ተቕርቦ ተወሳኺ መርትዖታት ወይ ጭብጢ ድማ ብቑዕ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ናይ 
ዑቕባ ሕቶኻ ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል'ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ 

  • ድሕሪ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጉዳይካ ምንጻጉ ሓድሽ ዘጋጠመካ ጸገም ዝገልጽ ጭብጢ ምስ ተቕርብ፡ 
  • ሓድሽ ሰነድ ወይ ደኩመንት እንተኣቕሪብካ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዘየቕረብካሉ ምኽንያት ብቑዕ መብርሂ ምስ እትህብ እዩ። 

ኮሚሳርያት CGRS እቲ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ መርሚሩ ኢንተርቪው ከይጸውዓካ ውሳነ ክህብ ይኽእል እዩ። 

ውሳነ

CGRS ኮሚሳርያት ክልተ ኣማራጺ ውሳነ ክህብ ይኽእል፡ 

  • ጉዳይካ ክንጸግ ይኽእል፡ እዚ ማለት ድማ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ጭብጢ ወይ መርትዖ ንዑቕባ ክትረክብ ብቑዕ እንተዘይኮይኑ ነጌቲቭ ውሳነ ክወሃበካ ይኽእል፡ 
  • ዘቕረብካዮ መርትዖ ወይ ጭብጢ ዘእምን ምስ ዝኸውን ድማ ናይ ዑቕባ መሰል ክወሃበካ ይኽእል እዩ፡ ፖዘቲቭ ውሳነ ማለት'ዩ። ጉዳይካ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ ድማ ኢንተርቪው ክትገብር ዕድመ ይግበረልካ፡ 

ኣብ መጽንሒ ቦታ ወይ ካምፕ ክትጸንሕ ትኽእል ድማ ጉዳይካ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ ጥራይ እዩ። 

ትጥቀመሉ ኣድራሻ ብናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሳርያት ጉዳይ ስደተኛታት (CGRA) እንተኾይኑ ቆጸራ ብምሓዝ ኣብ ዝጥዕመካ መጺኻ ናባኻ ዝተላእከ ወረቓቕቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፥ ንኣብነት ናይ ውሳነ ውጽኢት ደኩመንት ወይ ካልእ። ቆጸራ ድማ ተሌፎን ብምድዋል (02/205 53 05) ወይ ድማ ብኢመይል (cgra-cgvs.advocate@ibz.fgov.be ) ይከኣል።

ጥርዓን ወይ ይግባይ

ብዝተዋህበካ ውሳነ እንተዘይዓጊብካ ወይ እንተዘይተሰማማዕካ ኣብ ቤት ጽሕፈት RvV / CCE ቤት ምኽሪ ጉዳይ ስደተኛታት ጥርዓን ወይ ይግባይ ከተቕርብ መሰል ኣለካ። ምስ ጠበቓኻ ብምምኻር ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጥርዓንካ ከተቕርብ ዝሓሸ እዩ።