ኣላዪ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት

ኣብ ቤልጁም ምስ ወለዶም ወይ ስድራ ቤቶም ወይ ኣላዪኦም ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኣብ ትሕቲ ወለዲም ወይ ኣላዪኦም ዑቕባ ክሓቱ ይኽእሉ፡ እዚ ማለት ድማ ጉዳዮም ኣብ ሓደ ይተሓዝ ማለትዩ። 

ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኢንተርቪው ክገብሩ ኣይግደዱን እዮም፡ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ጉዳዮም ክሓቱሎም ይኽእሉ። 

ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኢንተርቪው ክገብሩ ዝኽእሉ በዞም ዝስዕቡ ፍሉይ ምኽንያት እዮም፡ 

እቲ ቆልዓ ብውልቁ ናቱ ዑቕባ ክሓትት ምስ ዝደሊ፡

ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ናይ በይኑ ዑቕባ ክሓትት ምስ ዝደሊ ን ኮሚሳርያት ምስ ዝሕበር ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልዎ፡ ክገብር ይዕደምዩ፡ 
ኣብ ግዜ ኢንተርቪው ድማ ብዘይ ወለዱ ንበይኑ ምስ ጠበቓ ከምኡውን ተሓጋጋዚ ማለት ሳይኮሎጂስት ወይ ባዓል ሞያ 
ምእላይ ቆልዑት ተገይሩሉ ኢንተርቪው ይገብር፡ ዕድሚኡ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኮሚሳርያት ጉዳዩ ይርእዮ። 
 

ኮሚሳርያት CGRS ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኢንተርቪው ክገብሩ ኣየገድድን እዩ፡

ኣድላዪ ምስ ዝኸውንን ነቲ ቆልዓ ድማ ዘገድስ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኮሚሳርያት ዕድመ ይገብረሉ፡ እቲ ቆልዓ ድማ ነዚ ዕድመ ክነጽጎ መሰል ኣለዎ፡ እንተዘይተቐቢልዎ ድማ ዝኾነ ሳዕቤን ወይ ጽልዋ የብሉን። ኢንተርቪው ክገብር ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ድማ ብዘይ ወለዱ ንበይኑ ምስ ተሓጋጋዚ ብምዃን ኢንተርቪው ይገብር።

ዝኾነ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ናቱ ናይ ውልቁ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ፡ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ምፍላጥ ድማ ኣገዳሲ እዩ፡

እቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ኢንተርቪው ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ወለዱ እውን ኣብ መስርሕ ናይ ዑቕባ እንትድኣ ውሳነ ይጽበዩ ኣለዉ ክይኖም፡ ጉዳዮም ብሓንሳብ ይረአ፡ ውሳነ ድማ ነናቶም ይወሃቦም፡ እቲ ቆልዓ ናይ በይኑ ኢንተርቪው ይገብር፡ ኩነታት ዕድሚኡ ልዕሊ 7 ዓመት ምስ ዝኸውንን ኩነታቱ ባዕሉ ከረድእ ዝኽእል ምስ ዝኸውን፡

CGRS ኮሚሳርያት ኩነታት ናይቲ ቆልዓ፡ ጸገማቱን ዕድሚኡን ኣብ ግምት ብምእታው ኢንተርቪው የግብሮ። ጠበቓ ከምኡውን ተሓጋጋዚ በዓል ሞያ ምስኡ ኣብ ግዜ ኢንተርቪው ክማላእ ይኽእል። 

ኮሚሳርያት CGRS ንጉዳይ ናይ ወለዲ ናይዚ ትሕቲ ዕድመ ኣቐዲሙ ነጌቲቭ ውሳነ ሂቡ እንተኾይኑ፡ ማለት ቤልጁም ኣይትቕበለኩምንያ ተባሂሎም እንተኾይኖም፡ ጉዳይ ናይዚ ትሕቲ ዕድመ ንበይኑ ይተሓዝ፡ እኹል መርትዖ ወይ ንዑቕባ ዝበቅዕ ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዘቕርብ ድማ ጉዳዩ ይምርመር። ጠበቓን ኣላዩ በዓል ሞያን ክማላእ ድማ ይኽእል። ጉዳዩ ብቑዕ ምስ ዘይከውን ድማ ክንጸግ ይኽእል።