Disclaimer

እዚ ዌብሳይት እዚ ዋንነቱ ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታትን ሃገር ኣልቦ ሰባትን (CGRS) እዩ።


ሓፈሻዊ ሓበሬታ


እብዚ ዌብሳይት ዝርከብ ትሕዝቶ ሓበሬታ ጥራይ እዩ። ካብ ትሕዝቶ ናይዚ ዌብሳይት ከም ሕጋዊ መርትዖ ኣየገልግልን
እዩ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ነዚ ኣብዚ ዌብሳይት www.asyluminbelgium.be ዝርከብ ሓበሬታ ንሓፈሻዊ
ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዝጥቀመሉ እምበር ንመምዘኒ ውልቃዊ ናይ ዑቕባ ጉዳይ ኣየገልግልን እዩ። ኣብዚ ዝርከብ ሓበሬታ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ እዩ እምበር ምስ ዝኾነ ውልቃዊ ጉዳይ ሓታቲ ዑቕባ ዘተሓሕዝ የብሉን። ተጠቃማይ ነዚ ኣብዚ ዌብሳይት
ዝርከብ ሓበሬታ ከም ሕጋዊ፡ ውልቃዊ ወይ ሞያዊ መርትዖ ክጥቀመሉ ኣይፍቀድን።
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ነዚ ኣብዚ ዌብሳይት ዝርከብ ሓበሬታ ቅኑዕነቱ ንምዕቃብ ይጽዕር። በብግዚኡ
ድማ ከከም ኣድላይነቱ ነዚ ሓበሬታ ንምምሕያሽ ዝከኣሎ ይገብር። እንተኾነ ግን ገለ ገለ ሓበሬታ ግዚኡ ዝሓለፎ፡ ወይ
ድማ ጌጋ ወይ ሙሉእ ዘይኮነ ሓበሬታ ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ኣንባቢ ከምኡ ምስ ዝረክብ ንቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት
(CGRS) ክውከስ ይግባእ።
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ኣብ ዝኾነ ግዜ ንትሕዝቶ ናይዚ መወከሲ ሓበሬታ ክቕይሮ ወይ ከማሓይሾ
መሰሉ እዩ። ተጠቃማይ ናይዚ ሓበሬታ ነዚ ሓበሬታ ብግቡእ ብዘይምጥቃሙ ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን ቤት ጽሕፈት
ኮሚሽን ስደተኛታት ተሓታቲ ኣይከውንን።
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ኣብዚ ናይ ሓበሬታ ዌብሳይት ንዘጋጥም ናይ ተክኒክ ብልሽት ይኹን ካልእ
ጸገማት ንምፍታሕ ይጽዕር። እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ቴክኒካዊ ጸገማት ወይ ምስንኻላት ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ግምት
ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ንዝኾነ ዘጋጥም ግዚያዊ ናይ ተክኒክ ጸገማት ተሓታቲ
ኣይኮነን።


መሰል ዋንነት ንብረት


ኩሉ ኣብዚ ዌብሳይት ዝቐርብ ጽሑፋት፡ ስእልታት፡ ጭርሖታት ይኹን ካልእ ኩሉ ሕጋዊ ዋንነቱ ናይ ቤት ጽሕፈት
ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) እዩ። ነዚ መሰል ዋንነት ንምክልኻል ድማ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS)
ከምኡውን መሻርኽቱ ትካላት ሙሉእ መሰል ኣለዎም። ተጠቃማይ ናይዚ ዌብሳይት ኣብ ሕጋዊ መሰል ዋንነት ናይዚ
ዌብሳይት ካብ ምትእትታው ክቑጠብ ኣለዎ። ተጠቃምነት ናይዚ ዌብሳይት ማለት ምስ ዋንነት ናይዚ ዌብሳይት ዘተሓሕዝ
የብሉን።
ኣብዚ ዌብሳይት ዝቐርብ ሓበሬታ ንውልቃዊ ሓበሬታ ንኸገልግል ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። ተጠቃማይ ናይዚ ሓበሬታ
ንትካላዊ ዋኒኑ ክጥቀመሉ ኩልኩል እዩ።
ምንጭን ዋንነትን ናይዚ ኣብዚ ዌብሳይት ዝወሃብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት (CGRS) ምንጪ
ድማ (“information from www.asyluminbelgium.be") እዩ።


ጥብቆ


እዚ ዌብሳይት ናይ ካልኦት ዌብሳይታት ሓበሬታ ከም መወከሲ ተጠቂሙ እዩ። እዚ ማለት ግን ነቲ ናይ ካልኦት ኣካላት
ሓበሬታ ብዘይፍቓድ ናይ ዋናታቱ ክጥቀም ዝኾነ ሕጋዊ ሓላፍነት የብሉን። ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ነዞም
ሓበሬታታት ንተጠቃሚ ዝያዳ መብርሂ ንክህብ ጥራይ እዩ ዝጥቀመሎም እምበር ክቆጻጸሮም ኣይክእልን እዩ። ቤት ጽሕፈት
ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ነቶም ከም መወከሲ ዝጥቀመሎም ሓበሬታታት ንጹርነት ይኹን ብቕዓት ውሕስነት ክህብ
ኣይክእልን እዩ ምኽንያቱ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብምዃኖም። ስለዚ ኣብቶም ካብ ቁጽ ጽር ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን
ስደተኛታት ወጻኢ ዝርከቡ ዌብሳይታት ክትውከስ ምስ እትደሊ ብናይ ውልቅኻ ተበግሶ ይኸውን ማለትዩ። ብምዃኑ ድማ
ቅድሚ ነቲ ዌብሳይት ምውካስካ ነቲ ግቡእ መምርሒ ከተንብብን ብኡ ክትቅየድን ንምሕጸን።
ካብ ዌብሳይት ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን (CGRS) ማለት www.asyluminbelgium.be ኣብ ናይ ውልቅኻ ጥቕሚ ከተውዕል
እንተደሊኻ ኣቐዲምካ ፍቓድ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ክትሓትት ይግባእ።


ደረት ተሓታትነት


ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ዌብሳይት ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ተጠቂሙ ዝኾነ ሳዕቤን ምስ ዘጓንፎ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ብሓላፍነት ኣይሕተትን እዩ። ብተወሳኺ ኣብዚ ዌብሳይት ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ዝኾነ ጌጋ ወይ ዘይሙሉእ ሓበሬታ ምስ ዝርከብ ካብ ተሓታትነት ነጻ እዩ። ቅኑዕነት፡ ሓቅነትን፡ ሙሉእነትን ናይ ሓበሬታ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይቲ ተጠቃማይ እዩ።
ብሰንኪ ናይ ኣጠቓቕማ ጉድለት ወይ ቴክኒካዊ ጸገማት ወይ ብሰንኪ ቫይረስ ወይ ከምኡ መሳሊ ተክኒካዊ ሽግራት ንዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን ወይ ዕንወት ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት (CGRS) ተሓታቲ ኣይኮነን።
ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዌብሳይት ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ብምጥቃም ንዝስዕብ ክሳራ ይኹን ናይ ዳታ ወይ መዝገብ ምጥፋእ ወይ ካልእ ናይ ኮምፒተር ፕሮግራማት ጸገማት ምስ ዘጋጥም ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ካብ ተሓታትነት ነጻ እዩ። ምስ ምጥቃም ናይዚ ዌብሳይት ዝሕተት ዝኾነ ናይ ካሕሳ ሕቶ ወይ ጠለብ ድማ ብቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ቅቡል ኣይኮነን።