ኣድራሻ ምስ እትቕይር ንኮሚሳርያት ክትሕብር ይግባእ።

ኣብ ግዜ መስርሕ ናይ ዑቕባ እንከለኻ እንተድኣ ኣድራሻ ቀዪርካ፥ ንቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት (CGRS) ከምኡውን ንቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን (DVZ) ክትሕብር ይግባእ። በዚ መሰረት ድማ ኩሉ እቲ ናይ ዕድመ ይኹን ናይ ውሳነ ወረቓቕቲ ናብቲ ዘለኻዮ ኣድራሻ ይስደደልካ ማለትዩ። ኣብዚኣ ጠዊቕካ ጠዊቕኻ ነቲ ናይ ኣድራሻ መቐየሪ ፎርም መሊእካ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትሰዶ ይግባእ።

CGVS – Enest Blerotstraat 39, 1070 BRUSSEL ( ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ፎርም)

DVZ – Pachecolaan 44, 1000 BRUSSEL (ኣብቲ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ፎርም) ኣብ

መዕቆቢ ስደተኛታት ትነብር እንተድኣ ኮንካ እቲ ተሓጋጋዚ ናትካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ትነብር እንተድኣኮንካ ግን ባዕልኻ ነቲ ፎርም መሊእካ ፈሪምካ ኣብ ፖስታ ዓሺግካ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ብጶስጣ ክትሰዶ ትኽእል ኢኻ።

ትጥቀመሉ ኣድራሻ ብናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሳርያት ጉዳይ ስደተኛታት ( CGRA ) እንተኾይኑ ቆጸራ ብምሓዝ ኣብ ዝጥዕመካ መጺኻ ናባኻ ዝተላእከ ወረቓቕቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፥ ንኣብነት ናይ ውሳነ ውጽኢት ደኩመንት ወይ ካልእ። ቆጸራ ድማ ተሌፎን ብምድዋል (02/205 53 05) ወይ ድማ ብኢመይል ( cgra-cgvs.advocate@ibz.fgov.be ) ይከኣል።